ንኣኻ ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንእትነብር ዚምልከት ክንክን ኣረጋውያን

ክንክን ኣረጋውያን ኣብ ከተማ ስቶክሆልም ንዓኻ 65 ዓመት ዝመላእካን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ድማ ደገፍን ሓገዝን ዘድልየካን ወይ ካልእ መንበሪ ንእትደሊን ዚምልከት እዩ።

ንኣረጋውያን ዚምልከት ክንክን ኣመልክት

ንመብዛሕትኦም ንኽንክን ኣረጋውያን ዚምልከቱ ጉዳያት ባዕልኻ ከተመልክት ኣለካ። እቲ ናይ ወረዳ ምምሕዳር ሓላፊ ሓገዝ ኣብ ድሌታትካ ብምምርኳስ ብዛዕባ ደገፍ ይውስን፣
ንሱ ብቐጥታ ምስ ሓደ ኣብቲ እትነብረሉ ኣውራጃ ዝርከብ ሓላፊ ድሕነት ንኽትራኸብ ይሕግዘካ።

ቴሌፎን፡ 08-80 65 65
ኢ-መይል፡ aldredirekt@stockholm.se

ናይ ሓገዝ ውሳነኻ ምስ ተቐበልካ፡ ኣየናይ ኣሳላጢ ጉዳይ ክትቖጽር ከም እትደሊ ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኮሙንን ናይ ውልቅን ኣሳለጥቲ ጉዳያት ኣለዉ።

ናይ ሓደጋ ኣላርም

ብናይ ሓደጋ ኣላርም፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ሓገዝ ክትሓትት ትኽእል ኢኻ። ነታ ናይ ኣላርም ሰዓት ምስ ጸቐጥካያ ምስ ናይ ከተማ ስቶክሆልም መቐበሊ ኣላርም ተራኸበካ።

ናይ ገዛ ኣገልግሎት

እቲ ናይ ገዛ ኣገልግሎት፡ ካብ ምጽራይን ምኽሻንን ንገለ ሰዓታት ኣብ ወርሒ፡ ክሳብ ኣብ መዓልቲ ብዙሕ ግዜ ዚካየድ ኩለመዳያዊ ክንክን ኪሕግዘካ ይኽእል። እቲ ናይ ገዛ ኣገልግሎት ኣብ ገዛኻ ንኽትጸንሕን ኣብ መዓልታዊ ህይወትካ ድማ ውሕስነት ንኽስምዓካን ኪሕግዘካ ይኽእል እዩ።

መፍትሕ ኣልቦ ናይ ገዛ ኣገልግሎት

መፍትሕ ኣልቦ ናይ ገዛ ክንክን ንዓኻ ናይ ገዛ ክንክን ንዘለካ ሰብ፡ ውሕስነት ይውስኽን ነቲ ኣገልግሎት ድማ የመሓይሾን። ናይቲ ናይ ገዛ ኣገልግሎት መፍትሕ ብዲጂታላዊ መፍትሕ ምስ ተተከአ፡ ንስኻ ናይ ገዛ ኣገልግሎት ዘሎካ፡ እቲ ልሙድ መፍትሕካ ቀጻሊ ተዘውትሮ ማለት ኢዩ።

ናይ መዓልቲ ንጥፈታት

ምስ ሰባት ንምርኻብን ወይ ኣብ ዝተፈላለየ ንጥፈታት ንምስታፍ፡ ናብ ሓደ ኣብ መዓልቲ ዚካየድ መደብ ክትመጽእ ትኽእል ኢኻ። እንተ ደሊኻ እቲ ካብን ናብን መዓልቲ ንጥፈታት ዚግበር ጕዕዞ ኣብ ሒሳብ እቱው ኢዩ፡

መንበርን ክንክንን ኣረጋውያን

ኣብ መንበርን ክንክንን ኣረጋውያን፡ 24 ሰዓት ኣገልግሎትን ክንክንን ኣለካ። እቲ መንበሪ ንኹሉ ዘድልየካ ሓገዝ ዘጠቓልል እዩ።

Uppdaterad