መፍትሕ-ኣልቦ ናይ ገዛ ኣገልግሎት – ንዓኻ ናይ ገዛ ኣገልግሎት ወይ ናይ ጸጥታ ኣላርም ዘሎካ ይምልከት

መፍትሕ-ኣልቦ ኣገልግሎት-ገዛ ውሕስነት ይህበካ እዩ።ንገዛኻ ዝያዳ ውሕስነት ይህቦ ከምኡ’ውን ንሰራሕተኛታት ኣገልግሎት-ገዛ ስርሖም የቃልለሎም።

ሎሚ ኣብ ኣገልግሎት-ገዛ ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ናይ ኩሉ'ቲ ዝበጽሑዎ መንበሪ ኣባይቲ ናይ መፍትሕ ቅዳሓት ኪህልዎም እዩ። እዚ ዳርጋ ዝተሓላለኸ ስራሕ እዩ።

ኣብዚ እዋን'ዚ ነቲ መፍትሕ-ኣልቦ ኣገልግሎት-ገዛ እንብሎ ኣሰራርሓ ክንጥቀመሉ ጀሚርና ኣለና። ከምዚ ኪብሃል ከሎ ድማ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ክንዲ ናይ ገዛኻ ስሩዕ መፍትሕ ዚህሉዎም፡ ናይ ገዛኻ ዲጂታላዊ መፍትሕ ኪህሉዎም ኢዩ፡ እዚ መፍትሕ'ዚ ኣብ እዋን ንጥፈታት ሰራሕተኛታት ጥራይ እዩ ዘገልግል። ስራሕ ምስ ተወድአ ግን፡ እቲ ዲጂታላዊ መፍትሕ ኣገልግሎቱ የቋርጽ ማለት ኢዩ።

ንመፍት በቲ ልሙድ ኣገባብ ኢኻ እትጥቀመሉ

እቲ ናይ ኣገልግሎት-ገዛ ዲጂታላዊ መፍትሕ ንኽሰርሕ ብማለት ኣብ ዙርያ እቲ ኣብ ማዕጾኻ ዘሎ መሸጎሪ፡ ከም ፍሉይ መሸጎሪ ኮይኑ ይለግብ። ነዚ ፍሉይ መሸጎሪ ብምጥቃም፡ ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት-ገዛ በቲ ዲጂታላዊ መፍትሕ ገይሮም ነቲ ማዕጾኻ ይኸፍቱዎ።

እቲ ፍሉይ መሸጎሪ፡ ነቲ ንቡር መሸጎሪኻ ኣየባላሽዎን እዩ። ነቲ ስሩዕ መፍትሕካ ብምጥቃም ልክዕ ከምቲ ቅድሚ ሕጂ እትገብሮ ዝነበርካ ክትቅጽል ትኽእል ኢኻ።

ሓገዝ ብቕልጡፍ ኪመጽእ እዩ።

ንስኻ ናይ ጸጥታ ኣላርም ዘሎካ፡ ሓገዝ ምስ ዘድልየካ እሞ መፍትሕ ዘይብሉ ናይ ገዛ ኣገልግሎት ምስ ዚህልወና፡ ብቕልጡፍ ሓገዝ ክትረክብ ትኽእል።

ሰራሕተኛታት ኣገልግሎት-ገዛ ብቐጥታ ናብ ገዛኻ ኪመጽኡ ይኽእሉ እዮም። ናብ ገዛኻ ንምእታው ብማለት መፍትሕ ኪደልዩ ወይ ኪእልሹ ናብ ቤት-ጽሕፈት ምኻድ ኣየድልዮምን እዩ።

መፍትሕካ ኪምለሰልካ ኢዩ

ኩሉ እቲ ፍሉይ መሸጎሪታት ምስ ኣገጣጠምናዮ እቶም ሰራሕተኛታት ብኸመይ መገዲ ከም ዝሰርሕ ብዚምልከት ስልጠና ክወስዱ ኣለዎም። ብድሕሪኡ እቲ ቤትጽሕፈት ኣገልግሎት-ገዛ ሒዙዎ ዝነበረ ናይ ገዛኻ መፍትሕ ይምለሰልካ።

ስለዚ ካብቲ ፍሉይ መሸጎሪታታ ምትካልና ጀሚሩ መፍትሕካ ክሳዕ ዚምለሰልካ ገለ ግዜ ኪወስድ ይኽእል እዩ።

ተወሳኺ ክትፈልጥ ትደሊ ዲኻ?

ብዛዕባ መፍትሕ-ኣልቦ ኣገልግሎት-ገዛ ዝያዳ ሓበሬታ
ኣብዚ ዚስዕብ መርበብ ሓበሬታ ኣሎ፥

እቲ መርበብ ሓበሬታ ብቋንቋ ሽወደን እዩ።

Uppdaterad